Home » News Events » ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ፌዴሪኢ ንቴሌእቶ ንተወ 130 ሚሊዮን ብር ኣወፍዩ።

ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ፌዴሪኢ ንቴሌእቶ ንተወ 130 ሚሊዮን ብር ኣወፍዩ።

ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ፌዴሪኢ ንቴሌእቶ ንተወ 130 ሚሊዮን ብር ኣወፍዩ።
መቐለ፥ 10 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር)፣ "ንተወ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዓቢይ ቴሌቶን ትግራይ ተረኺቦም ብስም ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ፌዴሪኢ 130 ሚሊዮን ብር ኣወፍዮም።
እቶም ኮሚሽነር ነንባዕልኻ ምትሕግጋዝ ኣድላዪን ክጠናኸር ዘለዎን ከም ዝኾነ ብምሕባር "ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ፌዴሪኢ ኵሉ ጊዜ ኣብ ጎንኹም እዩ" ኢሎም።
ይኹን ደኣ እምበር በዚ መንገዲ ዝእከብ ሓገዝ ዘላቒ መፍትሒ ፀገም ክኸውን ስለ ዘይኽእል ዓርስና ንኽእለሉ ቁጠባዊ ዓቕሚ ክንሃንፅ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበፅሐ ፖለቲካዊ፥ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ዕንወት ብውሱን ዓቕሚ ውሑዳት ዘይኮነስ ብጥሙርን ስሙርን ዓቕሚ ብዙሓት እዩ ዝፍታሕ ዝበሉ ድማ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ትግራይ ዶክተር ገ/ህይወት ገ/እግዚኣብሄር እዮም።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝነብሩ ተጋሩ ሰብ ሃፍቲን ፈተውቲን መሓዙትን ትግራይ ሓገዞም ከበርክቱ ተላቢዮም።
from, Tigrai Mass Media Agency
   
Monday, October 28, 2024